Friday , May 17 2024

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮን ካሕሳ ንኽኸፍል ተሓቲቱ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ሓተቲ ዑቕባ ዝነብሩሉ ኣባይቲ ብዝወረደ ዕንወት፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮና ካሕሳ ክኸፍል ከምዝተሓተተ ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ሓቢራ።

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ዝነብሩ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ካብቶም ኣባይቲ ምስ ኣውጸኦም፡ ንዝወረደ ዕንወት ንምትካእ፡ ወነንቲ ኣባይቲ፡ ካብ’ቲ በዓል መዚ ካሕሳ ከም ዝሓቱ ሓቢሮም።

ካብ መስከረም 2016 ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ዕዳ ከም ዘለዎ ካብዚ ድማ ዛጊት 400 ሚልዮን ከም እተኸፍለን ድማ ተገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊንድበሪ ዝርከቡ ናይ ክራይ ኣባይቲ ዝውንን ኩባንያ፡ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሓሳኹ፡ ናይ 800 ሽሕ ክሮን፡ ካሕሳ ከም እተቐበለ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝወረደ ዕንወት ካብዚ ዝዓቢ ብምዃኑ፡ ንበዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ተወሳኺ ናይ 9 ሚልዮን ክሮን ካሕሳ ክህቦ ንምኽሳስ ኣብ ምድላው ምህላዉን እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቅልውላው ስደተኛታት ዓመተ 2015፡ ሽወደን፡ 160 ሽሕ ስደተኛታት ምቕባላን እቲ በዓል መዚ ነዞም ስደተኛታት ዝኸውን መንበሪ ከናዲ ሓላፍነት ምውሳዱን ይዝከር።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብተሌቪዥን ሽወደን ዘተኻየደ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ባዶ ዝነበረ መንበሪ ኣባይቲ፡ ገዚፍ መጠን ክራይ ምኽፋሉ ኣረጋጊጻ ።

ኣሃዛዊ ጸብጻባት SVT ከም ዘረጋገጽዎ፡ ካብ ዓመተ 2010 ክሳብ መስከረም 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ንክራይ ኣባይቲ 20 ቢልዮን ክሮን ከምዝኸፈለ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com