Saturday , May 18 2024

በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል፡ SAS ናይ ትኬት ክፍሊት ንኸይመልስ ይዶኗጌ

ስካንድናቭያዊ ኩባንያ SAS፡ ናይ ትኬት ክፍሊት ንኸይመልስ ይዳናገይን ነቶም ትኬታቶም ብመንገዲ ወኪል መገሻ ዝኾኑ ትካላት ዝገዝኡ ሰባት የደናግር ከምዘሎን ክብል ሽወደናዊ በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል ከምዝነቐፎ፡ መርበብ ሓበሬታ TT ኣቃሊሑ።

ኩባንያ SAS፡ ንዝነበራ ናይ በረራ መደባት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ምስራዙ ይዝከር።

በዓል መዚ ኣህለኽቲ ዓማዊል፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ጽድያ ናይ መረመራ ስርሓቱ ከምዝጀመረን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ውጽኢት መርመርኡ ናብ ኣቦ-ወንበር ተሓላቕ ኣህለኽቲ ዓማዊል (KO) ከምዘረከበ ተፈሊጡ።

ኣቦ-ወንበር ተሓላቕ ኣህለኽቲ ዓማዊል፡ ክልተ ምርጫታት ኣለዎ። ንኩባንያ SAS ካሕሳ ከኽፍል ወይ ድማ ክኸስስ። ኩባንያ SAS፡ ንዓማዊሉ እቲ ናይ ትኬት ክፍሊት ብምልኡ ክመልስ ምዃኑ ብምሕባር ነብሱ ይከላኸል።

ነፍሲ ወከፍ፡ ገንዘቡ ክምለሰሉ ዝግባእ ሰብ፡ ናይ ትኬት ገንዘቡ ክምለሰሉ እዩ። እንተኾነ ግን ንውሕ ዝበለ ግዜ ክሓትት እዩ ክትብል ሓላፊት ርክባት ኩባንያ SAS፡ ካሪን ኒማን፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com