Saturday , May 18 2024
Children who are particularly sensitive to upper respiratory infections are recommended vaccination against COVID from the age of 5 years. (Foto: Ólafur Steinar Rye Gestsson/Ritzau Scanpix)Foto Ólafur Steinar Rye Gestsson / Ritzau Scanpix / TT / kod 93000 ref: ***BETALBILD***

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ተኣፈፍቲ ህጻናት ክትባት ክወስዱ ይግባእ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኮሚርናቲ (Comirnaty) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክትባት፡ ካብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንዘለው ንኽውሃብ ተፈቒዱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Public Health of Sweden)፡ እዚ ክትባት ብፍላይ ነቶም ናይ ላዕለዋይ ኣካላት ናይ ምትንፋስ ጸገም ንዘለዎም ተኣፈፍቲ ህጻናት ንኽዋሃብ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ መጠን ናይ ክትባት ድማ ካብቶም ንደቂ 12 ዓመት ዝመልኦም ቆልዑት ዝዋሃብ ዓይነት ዝወሓደ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ከም እምነት እቲ ትካል ጥዕና እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ክትባት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ንህዝቢ ክቐርብ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።
ኩሎም ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ካብዚ ዓመት ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ነዚ ክትባት ንኽወስዱ ከምዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com