Saturday , May 18 2024
Insurance is heavily burdened Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

በዓል መዚ ውሕስነት መድሕን ሽወደን …ንኣሽሓት ሰባት ብዘይክፍሊት የጸብዮም!

ኣስታት 6,000 ሰባት ካብ ፎርሼክሪንካሳን ክረክብዎ ዝግበኦም ናይ ካሕሳ ክፍሊት ቕድሚ በዓል ልደት ክቕበልሉ ዝክእሉ ግዜ ከምዘይብሎም፡ ሬድዮ ሽወደን  P4 ዮቶቦሪ ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ከኣ፡ ብምክንያት እቲ በዓል መዚ፡ ንኩሎም ጉዳያት ከማሕድሮም ስለዘይከኣለ’ዩ።
በዓል መዚ ውሕስነት መድሕን ሽወደን፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ግዜ ብምንጽጻር፡ ካብ ጥቅምቲ ንደሓር ጥራይ፡ ከባቢ 500,000 ተወሰክቲ ምልክታታት ካብ ንግዜኡ ናይ ወላዲ ሓገዝ ዝደልዩ ከም ዝተቀበለ ተሓቢሩ። በዚ ከኣ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ብግዜ ምሸትን ቀዳመ -ሰንበትን ብምስራሕ፡ ነቲ ዝጎደለ ንምምላእ ፈቲኖም። ብመሰረት እቲ በዓል መዚ፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ገምጋም፡ እቲ ናይ ካሕሳ ክፍሊት ቕድሚ እዚ ዓመት ምውዱኡ ክኽፈል ይክእል ‘ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com