Friday , May 17 2024

በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና፡ ጸብጻቡ የቕርብ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን፡ ንኽቅበሎም ትጽቢት ገይርሎም ዝነበረ ብዝሒ ብልቃጥ ክታበት ኮሮና ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መጨረሽታ ናይ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክረኽቡ መደብ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ፡ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል፡ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመተ 2021፡ ሽወደን፡ 17.4 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትቅበል ትጽቢት ገይራ’ኳ እንተነበረት፡ ብሰንኪ ምድኑጋይ ናይተን ኣፍረይቲ ክታበት ዝኾና ኩባንያታት፡ ክሳብ ሕጂ 10.9 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ተረኪባ ከምዘላን እዚ ድማ ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ክታበት መስርሕ ከምዘደናጉዮ፡ ኣብቲ በዓል መዚ፡ ሓላፊት ጨንፈር ጥዕና ዝኾነት፡ ኤማ ስፓክ፡ ሓቢራ።

ኣብ ሽወደን፡ 1 ሚልዮንን 35 ሽሕን ሰባት እንተዋሓደ ቀዳማይ እብረ ክታበት ረኺቦም ዘለዉ ኮይኖም፡ እቶም 448 ሽሕ ሰባት ምሉእ እብረ ክታበት ዝረኸቡ እዮም።

84% ካብቶም ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦምን 66% ካብቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ብውሑዱ ቀዳማይ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com