Friday , May 17 2024
A Save Burkina Faso movement supporter holds a Burkina Faso flag after it was announced that Lt. Col. Paul Henri Sandaogo Damiba has taken the reins of the country in Ouagadougou Monday Jan. 24, 2022. (AP Photo/Sophie Garcia) OUA109

ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ስልጣን ምጭባጡ ገሊጹ

ሰራዊት ቡርኪናፋሶ፡ ንፕረዚደንት ሮሽ ካቦሬ፡ ብምዕላው ስልጣን ምጭባጡ ገሊጹ።

ሓደ በዓልመዚ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ናብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኣብታ ሃገር እናበኣሰ ዝኸይድ ጸጥታዊ ኲነታት፡ እዚ ዕልዋ መንግስቲ ንኽፍጸም ምድራኹ ገሊጹ’ሎ።

ፕረዚደንት ካቦሬ፡ ሃለዋቱ ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቶም ጁንታ ግና፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ተሓዪሩ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።

ብቕድሚ ትማል ምሸት፡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ዋጋዱጉ፡ ተዂሲ ክስማዕ ድሕሪ ምምሳዩ እዩ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም እተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ። ኣቐድም ኣቢሉ እውን ካቡሬን ሓደ ሚኒስተርን፡ ቅንጸላ ከም እተፈተነሎም ህዝባዊ ምንቅስቕስ ንገስጋስ ዝተባህለ ሰልፊ ገሊጽ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚደንት ካቡሬ፡ ንዕጡቓት ጉጅለታት፡ ብግቡእ ብምምካት ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ፡ ብርቱዕ ነቐፌታ ክወርዶ ምጽንሑ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com