Friday , May 17 2024
Residents of Burkina Faso express support for the leaders of the military coup. (AP Photo/Sophie Garcia) OUA105

ቡርኪኖ ፋሶ፡ ካብ ማዕከን ኢኮዋስ (ECOWAS) ተኣጊዳ

ትካል ምትሕግጋዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS)፡ ንቡርኪና ፋሶ፡ ብሰንኪ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብታ ሃገር ዝፈጸሞ ዕልዋ፡ ካብ ኣባልነት ብግዜያዊነት ከም ዝኣገዳ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

እዚ ውሳኔ ዝተገልጸ እተን ኣባላት ሃገራት ናይዚ ትካል፡ ብዓርቢ ኣብ ዘካየደኦ ዋዕላ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ሮሸ ካቦሬይ፡ ኣንዳበዝሐ ድሕሪ ዝኸደ ተቓውሞታት እዩ፡ ብሰኑይ፡ ስልጣን ከምዝጨበጠ ዝተፈልጠ። እቲ ጁንታ፡ ካብቲ ስልጣን ዝሓዘሉ እዋን ጀሚሩ፡ “ሰላምን ምርግጋእን” ከምጽእ ቃል እንተ ኣተወ’ኳ፡ ECOWAS  ብወገኑ፡ ወታሃደራውያን ሓይልታት፡ ብሓይሊ ስልጣን ምስ ዝሓዙለን ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብ ምቁራጽ መትከላዊ ቅዋም ናይቲ ትካል ምዃኑ እዩ ዝሕብር። 

ECOWAS ብምውሳኽ፡ ሮሸ ካቦሬይን እቶም ካልኦት እሱራት ሓለፍትን፡ ንኽፍትሑ ከምዝጸወዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እቲ ዕልዋ፡ ብደረጃ ዓለም ዝተኾነነ ኮይኑ፡ እቶም ወጠንቲ እቲ ዕልዋ ግና ካብቲ ብሰንኪ ኣብታ ርእሰ ኸተማ ዝኾነት፡ ዋጋዱጉ፡ ኣንጻር እቲ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ተቓውሞታት የስምዑ ካብ ዘለዉ ህዝቢታት ዝተወሰነ ድጋፍ ከምዘለዎም እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com