Friday , May 17 2024
Mexico City's subway cars lay at an angle after a section of Line 12 of the subway collapsed in Mexico City, Tuesday, May 4, 2021. The section passing over a road in southern Mexico City collapsed Monday night, dropping a subway train, trapping cars and causing at least 50 injuries, authorities said. in Mexico City, Tuesday, May 4, 2021. (AP Photo/Marco Ugarte) XFLL105

ባቡር መክሲኮ ተሓምሺሻ፥ 23 ሰባት ሞይቶም።

 

ትማል ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 10 ድ/ቀ ኣብ መክሲኮ ሲቲ ባብር ከተማ ብምሕምሻሻ ብውሕዱ 23 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ድማ ኣካላዊ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶምን ሰብመዚ እታ ከተማ ገሊጾም።

ካብዞም ግዳያት ህጻናት ከም ዝርከብዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣባላት መድሕን ሬሳታታ ኣብ ምልላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኣብ ትሕቲ እታ ዝጸደፈት ባቡር ኣብ ውሽጢ መኪና ዝነበረ ሰብ ብህይወቱ ወጺኡ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ ሓዊስካ ብርክት ዝበለ ኣሳእል እዚ ሓደጋ ተላዕሉ ኣሎ።

ኣብ 2017 ኣብ መክሲኮ ሲቲ፡ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብቲ ድልድል ነቓዕ ተፈጢሩ ምንባሩ እኳ እንተተገልጸ ፥ ብመሰረት ጋዜጣ ኤል ኡኒቨርሳለ ሰብመዚ መራኸቢታት ነቲ ድልድል ክጽገን ጌሮም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com