Saturday , May 18 2024

ባንክ ሽወደን Swedbank ብሰንኪ ኮቪድ 19 ክሳር ከምዘጋጦም ሓቢሩ።

ባንክ ሽወደን Swedbank ብሰንኪ ኮቪድ 19 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይቲ ባንኪ ጸገማትን ተደሚሩ እብዚ ርብዒ ዓመት ገንዘባዊ ጸብጻቡ ዓቢ ጉድኣትን ክሳራን ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ባኒ ዘዉጽኦ ርብዒ ዓመታዊ ጸብጻብ 2,2 ሚልያርድ ክሮነር ክሳራ ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ባንኪ ቅድሚ ቅልዉላዉ ቫይረስ ኮሮና፣ ብሰንኪ እቲ ባንኪ ኢድ ዘሓወሰሉ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ገንዘብ፣ ዝወረዶ መቕጻዕቲ ወሲኽካ ቁጠባ እቲ ባንኪ ኣብ ጸገም ወዲቑ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ሽወደን ኣብ ወርሂ ሚያዚያ ጥራይ ብዝሒ ዘሎዎም ትካላት ንግዲ ብኽሳራ ካብ መሳርዕ ዕዳጋ ክወጹ እዮም ዝብል ትንበያ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዕዳ ሽወደን  ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com