Saturday , May 18 2024

ባንግላደሽ፡ ተሌፎን ዝጠልፍ መሳርሒ ካብ እስራኤል ትሽምት

መንግስቲ ባንግላዴሽ፡ ሞባይል ዝጠልፍ ዝተራቐቐ መሳርሒ፡ ካብ እስራኤል፡ ብ 330 ሚልዮን ዶላር ምሽማታ ጋዜጣ እስራኤል ሃሬትዝ ከምኡውን ኣሃዱ መርመርቲ ኣልጀዚራ ኣረጋጊጾም ክትብል ኣልጀዚራ ገሊጻ።

እዘን ክልተ ሃገራት፡ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይብለን ክንሰን እዚ ዕድጊ ምፍጻሙ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ።

እዚ ብሰለብራይት ሰኲሪቲ ፈርም ዝፈሪ UFED ዝተባህለ መሳርሒ ካብ ዝተፈላለያ ዓይነታት ሞባይል ዳታ ኣብ ምጥላፍ ከም ዝውዕል ይፍለጥ። በዚ ዝተሻቐሉ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት፡ እዚ ሓድሽ መሳርሒ፡ ብዓቃባዊ ኣገባብ ጥራይ፡ ኣብ ስራሕ ክውዕል ጻውዒቶም ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ሃገረ ባንግላዴሽ፡ ንሃገረ እስራኤል፡ ኣፍልጦ ዘይትህብን ዜጋታታ ናብታ ሃገር ከይጐዓዙ እትኽልክልን ሃገር እያ። እዛ እስላማዊት ሃገር፡ ንቃልሲ ፍልስጤም፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እትድግፍ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com