Sunday , May 19 2024
Marcus Ericsson/TT

ባዕላዊ መመርመሪ ኮሮና ኣብ ዕዳጋታት ንኸይሽየጥ በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ከልኪሉ።

ኩባንያ ዛንድሴል (Zandcell)፡ ንባዕላዊ ወይ ብገዛእ ነብስኻ ዝግበር መመርመሪ ኮሮና ኣመልኪታ ምውዕዋዕን መሸጣን ንኸይተካይድ ብበዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ። ኩባንያ ዛንድሴል፡ ብዛዕባ ሕክምናዊ ብቕዓት ናይዚ ፍርያት ዝገልጽ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ሰነድ ስለዘየቕረበት፡ ኣብ ዕዳጋ ሽወደን ክዝርጋሕ ከምዘይግበኦ ኣማኻሪ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ፒር ኔስተር፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል TT ኣቃሊሑ። በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ክሳብ ሕጂ ካብ ሽዱሽተ ዘይውሕዱ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ መመርመሪ ኣብ ዕዳጋታት ከይሽየጥ ከልኪሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ባዕላዊ መመርመሪ ኮሮና ውሑስ ስለዘይኮነ ህዝቢ ክጥቀመሉ ከምዘይብሉ በዓል መዚ መድሃኒት ሽወደን ይመክር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com