Sunday , May 19 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ባይቶ ሽወደን፡ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንኸጽድቕ እዋኑ ኣኹሉ ተባሂሉ

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ እቲ መንገዲ ኮይኑ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ግን እንተቀልጠፈ ኣብ ሰለስተ ዓመታት ክወሃብ ዝብል ዘተ፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ውሳኔ ክወሃበሉ ትጽቢት ይግበር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ውሳኔ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ሽወደን ኣብ ዓመተ 2015 ን 2016 ንህጹጽ ቅልውላው ስደተኛታት ተባሂሉ ዝቖመ ግዝያዊ ሕጊ፡ ብምትካእ፡ ቀዋሚ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዑቕባን ክኸውን እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ዘቕረቦ እማመ፡ ብሰልፍታት ሰንተርን ጸጋማይን ተሓጊዙ ካብ ባይቶ ውሳኔ ክረኽበሉ ትጽቢት ይግበር።

ብዙሓት ኣባላት ኮሚቴ ማሕበራዊ ውሕስነት ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ፡ ካብዚ መንግስቲ ኣቕሪብዎ ዘሎ እማመ፡ ተወሰኽቲ ነጥብታት ክውሰን እካ ድልየት እንተሃለዎም፡ ካብ መንግስት፡ ሰልፊ ሰንተርን ጸጋማይን ደገፍ ስለዘይረኽቡሉ፡ ብኣግኡ ውዱቕ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com