Friday , May 17 2024

ባይደን፡ ንቕትለት ጀማል ካሾግጂ ኣመልኪቱ ንንጉስ ሳልማን ከዘራርቦ እዩ

ኣመሪካ ብዛዕባ ቅትለት ካሾግጂ ዝምልከት ኣዝዩ ኣፈዳሒ ዝተባህለሉ ናይ ስለያ ሰነድ ከም ዘለዋን እዚ ድማ ንሓደ ካብ ደቂ ንጉስ ብገበን ዘሕትት ምዃኑን ኣልጀዚራ ሓቢራ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ ንቕትለት ካሾጊ ኣመልኪቱ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን ዓብዱልዓዚዝ፡ ክዘራረብ እዩ ተባሂሉ። ኣመሪካ ድሕሪ’ዚ፡ ምናልባት ነቲ ኣፈዳሒ ዝተባህለ ስለያዊ ሰነድ ቅትለት ጀማል ካሾግጂ ክትዝርግሕ ከም እትኽእል ድማ ተሓቢሩ። Axios Reported ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ “ምዝርጋሕ እዚ ሓበሬታ ንሓደ ካብ ደቂ ንጉስ ብገበን እዚ ቕትለት ዘሕትት እዩ” ክብል ከምዝገለጸ ተፈሊጡ። እዚ ዝርርብ ኣብ መንጐ ንጉስ ሳልማንን ባይደንን ናይ መጀምርታ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ገና ዘይተዘርግሐን ብቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ወራሲ ዓራት ስዑዲያ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ቅትለት ጀማል ካሾግጂ ኢድ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ምዃኑ ምንጭታት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com