Friday , May 17 2024
(AP Photo/Jerry Lampen, Pool) PDJ107

ባግቦ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ

መራሒ ኮትዴቭዋር ነበር፡ ሎረን ባግቦ፡ ኣብ ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ናጻ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ምዃኑ ተገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሰልፉ ኣሳው፡ ኣዶ ባግቦ፡ 17 ሰነ ናብ ዓዱ ክምለስ እዩ ኢሉ’ሎ። ባግቦን ሚኒትሰር መንእሰያት መንግስቱን ዝነበረ፡ ቻርለስ ብሊ፡ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ምስ ሰብ መዚ ኮትዴቭዋር ክላዘቡ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ፡ ኣላሳነ ኡታራ፡ ብመሰረት እቲ መንግስቱ ዝኣወጆ ናይ ዕርቂ ፕሮግራም፡ ባግቦ ብናጻ ናብ ዓዲ ክምለስ ከም ዝኽእል ሓቢሩ’ሎ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ባግቦ ናብ ዓዱ ዝምለሰሉ ዕለት ንምፍላጥ ልዝብ ከካየድ እኳ እንተጸንሐ፡ መዓልቲ ከም ዘይተፈልየ እዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ኮትዲቭዋር፡ ድሕሪ ምርጫ 31 ሕዳር 2020 ብሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ነበር፡ ካውዲዮ ኮናን በርቲን፡ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ዕርቂ ምቓሙ ዝፍለጥ እዩ።

ባግቦን ብሊን፡ ብኣካል ኣብ ዘይተረኽብሉ፡ ብክሲ ምጥፍፋእ ገንዘብ፡ ን20 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com