Sunday , May 19 2024

ቤልጁማዊት ኣቕራቢት ተሌቪዥን፡ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይወርዳ

ሓደ በልጁማዊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕራቢት ኲነታት ኣየር ዝኾነት ጸላም ጋዜጠኛ ተሌቪዥን፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝመልኦም መልእኽታት ብምስዳዱ፡ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ንዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልታት ክእሰርን 1600 ዩሮ ክቕጻዕን በይንሉ ኣሎ።

እዛ ጸላም ጋዜጠኛ፡ ካብ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ዓሌታዊ መልእኽታት ይመጻ እኳ እንተነበረ፡ ሕጋዊ ክሲ ዝቐረበሉ ግን እዚ ሰብ ጥራይ እዩ።

ጋዜጠኛ ሰሲል ጁንጋ፡ ካብ 2018 ኣትሒዛ ብኣሕሉቕታ ከይተረፈ፡ ዓሌታዊ መልእኽታት ክበጽሓ ከም ዝጸንሐ ገሊጻ’ላ። ንሳ፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ፌስቡክ ሒሳባ ኣብ ዝለጠፈቶ መልእኽቲ፡ እዚ ኣዝዩ ኣሳቓዪ ተመኲሮ ምዃኑን ንሓዋሩ ከም ዝቐየራን ሓቢራ።

ኣነ ተመኩሮ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ዝካየድ ቅልስ የብለይን ዝበለት ጁንጋ፡ ብስነልቦና ኣዝዩ ሃሳዪን ጎነጻዊን ኮይኑ እየ ረኺበዮ፡ ንመዓልታት ብዘይምቊራጽ እየ በኽየ” ክትብል ጁንጋ ጽሒፋ። በዚ ድማ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ግዜ ከይተጥፍእ ምውሳና ወሲኻ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com