Friday , May 17 2024

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ንዝወረዶ ነቐፌታታት መልሲ ይህብ

ዳይሬክተር ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ረፒንቪክ፡ ነቲ ናይ መንበሪን ዜግነትን ፍቓድ ንምርካብ ዝወስድ መጠን ግዜ ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ክዘንብ ዝቐነየ ነቐፌታታት፡ መልሲ ሂብሉ’ሎ። 

ተጣባቒ ጥሕሰት ሕጊ (JO)፡ ብዓርቢ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ተሪር ነቐፌታ ምዝናቡ ይዝከር። ቅድሚ 40 ኣዋርሕ ዝቐረበት ሓንቲ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባ፡ ቅድሚ 29 ኣዋርሕ ዝቐረበ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራቤትን ካልእ ቅድሚ 36 ኣዋርሕ ዝቀረበት ሕቶ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ክሳብ ሕጂ መልሲ ብዘይምርካበን ምርኩስ ብምግባር፡ ቤት ጽሕፈት ተጣባቒ ጥሕሰት ሕጊ፡ ነቐፌትኡ ዘቕረበ።

ምኽንያት ናይ ምዱንጋይ ስራሕ፡ እቲ ኣብ ዓመተ 2015 ዘጋጠመ ብርቱዕ ዋሕዚ ስደተኛታት እዩ ዝበለ  ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡  ድሕሪ ሕጂ ተቐባልነት ኣይክህልዎን እዩ ክብል ተጣባቒ መሰል ውጹዓት ገሊጹ።

ረፒንቪክ ብወገኑ፡ ነቲ ብተጣባቒ ጥሕሰት ሕጊ ዝቐረበ ነቐፌታ፡ መሰረት ዘይብሉን ኣብ ግጉይ ረቛሒታት ዝተሞርከሰ እዩ ክብል ወቒስዎ።

ናይ መልሲ ግዜ ከነሕጽር ከም ዘሎና ኩላትና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ኮይኑ እዚ ጒዳይ ምስ ምውሓድ ስደተኛታት፡ ብዝቐልጠፈ ክሳለጥ ኔርዎ ዝብል ምጉት ግን ተቐባልነት የብሉን ዝበለ ረፒንቪክ፡ ናብ ሽወደን ዝስደዱ ሰባት ቁጽሮም ምጉዳሉ እኳ ዘየተሓትት እንተኾነ፡ ኣብ ኢድና ዘለዉ ዝሳለጡ ጉዳያት ጐዲሎም ማለት ግና ኣይኮነን።

ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ ምጥናፍ ስድራቤታትን ምምልካት ንዜግነትን ካብ 172 ሽሕ ናብ 207 ሽሕ ክብ ክብል እንከሎ፡ ብመንጽሩ ድማ፡ ብዝሒ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ 9000 ናብ 5000 ምጒዳሉ ድማ ኣስሚሩሉ። ንሱ፡ እዚ’ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ዝርዝር ኣብ ሓጺር እዋን ንምዝዛም ዝያዳ ባጀት ናይ ምሕታት ውጥን ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ክፍሊ ዝተራእየ ናይ ሰራሕተኛታት ምፍናው ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ናይ መልሲ ግዜ ንምሕጻር፡ እቲ በዓል መዚ፡ ንገለ ስራሓት ብኣውቶማቲካዊ ኣገባብ ክቕይርን ብቐሊሉ ኸሳልጥን ክጽዕር ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ፡ በቲ ዝድለ መጠን ግዜ ማለት ኣብ 6 ኣዋርሕ ክሳለጥ ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ከኣ ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ኣብ  ትሽዓተ ኣዋርሕ ከምዝሳለጥ ምግባር፡ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ሸቶ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ምስላጥ ጉዳይ ዜግነት ብዝምልከት፡ ክሳብ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዝተሓስበ ሸቶ ክህረም ከምዘይክእል ድሕሪ ምሕባር፡ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡  ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ክኽፈት ምዃኑ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com