Friday , May 17 2024
STOCKHOLM 20161230 Flygpassagerare i avgångshallen på Stockholm Arlanda Airport Foto: Fredrik Sandberg / TT / Kod 10080

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይት ሽወደን፡ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ ኣመሓላሊፉ

ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ መገሻታት ካብ ምክያድ ክንቁጠብ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ምኽሩ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ድማ፡ ናብ ኣርሜንያ፡ ኣዘርቢጃን፡ ቦስንያ ሄርዞጎቪና፡ ብሩነይ፡ ጆርዳን፡ ካናዳ፡ ኮሶቮ፡ ሞልዶቫ፡ ሞንተነግሮ፡ ቀጠርን ሱዑዲ ዓረብን ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት መገሻታት ዝተፈቕደ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣዊጁ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ይኹን እምበር፡ ኩነታት ለበዳ ተቐያያሪ ምስ ምዃኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ገያሻይ፡ ቅድሚ ጉዕዝኡ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓደሽቲ መምርሒታት ወጺኦም ከይኮኑ ክከታተልን መምርሒታት ኮሮና ናይቲ ዝኸደሉ ዘሎ ሃገር ክኽተልን ዝምለሰሉ ግዜ ኣቐዲሙ ክምድብ ከምዝግባእ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com