Friday , May 17 2024

ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ናይ ውሳነ እዋን ከሕጽሮ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ

ካብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ዝርከባ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ናብኣተን  ዝበጽሑ ጉዳያት፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ውሳነ ክህባ ክጅምራ ምዃነን ጸብጻባት ሬድዮ ኢኮት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሑ ጉዳያት፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውዳእ ከምዘለዎ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሑ ጉዳያት ኢሚግሬሽን፡ እንተነወሐ፡ ኣብ 6 ኣዋርሕ ከምዝውድኡ ክኾኑ እዮም ክብል ኣማኻሪ ናይቶም ኣብ ምምሕዳር ማልመ ዝርከቡ ቤት ፍርድታት፡ ፍረድሪክ ሎንዳል፡ ገሊጹ።

ጉዳያት ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ከምቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክውድኡ እንተድኣ ክኢሎም፡ እቲ ተርእዮ፡ ካብ ዓመተ 2016 ንደሓር፡ ናይ መጀመርያ ተርእዮ ክኸውን እዩ ክብል ጸብጻብ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሑ ጉዳያት ኢሚግሬሽን፡ ውሳኔ ንኽወሃቦም፡ ብማእከላይ ገምጋም፡ ክሳብ 21 ኣዋርሕ ይወስደሎም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com