Saturday , May 18 2024
Muscle weakness and fatigue are the most common long-term symptoms after COVID-19. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብሕማም ኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ምልክታት ሕማም ይርእዩ

ኩሎም እቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታላት ዝተሓከሙ ሰባት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ውን ምልክታት ሕማም ይረኣዮም ከምዘሎ ዘ ላንሴት ዝተባህለ ጆርናል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ዉሃን፡ ቻይና፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩነታቶም ከመይ ከምዘሎ፡ እቲ ጆርናል፡ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ ክብል ጋዜጣ ዳገንስ መዲስን ጽሒፉ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 59 ዓመት ዝርከቡ 1300 ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ካብ ሕክምና ድሕሪ ምውጸኦም፡ ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ምክትታል ብምክያዱ፡ እቲ ጆርናል፡ ነዚ ውጽኢት ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ድሕሪ 6 ኣዋርሕ፡ ኣስታት 68% ካብቶም መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ሰባት፡ እንተወሓደ፡ ሓደ ምልክት ሕማም ኮቪድ-19 ምስኣቶም ከምዝተረፈን እቲ መጠን ድማ፡ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ፡ ናብ 49% ከምዝወረደ ገሊጹ። ናይ ጭዋዳታት ድኽመትን ድኻምን፡ እቶም ቀንዲ ምስ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተሓሓዙ ምልክታት እዮም ነይሮም። ካብቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ እሞ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም 88%፡ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ፡ ናብ ስርሖም ከምዝተመልሱ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ሓደ ጉድለት ናይቲ መጽናዕቲ ዝነበረ፡ እቶም መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ሰባት፡ ካብ ሆስፒታል ጂን ይን ታን፡  ዝወጹ ምዃኖም እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ንኣብ ካልእ ከባቢታት ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ዘለዉ ሕሙማት ክውክል ዘይክእል ክብል እቲ ጸብጻብ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com