Sunday , May 19 2024

ብሕማም ኮቪድ-19 ተጠቒዖም ዝነበሩ 10 ኣረጋውያን ሓውዮም።

ቀንዲ ግዳያት ናይ ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo ዝነብሩ ኣረጋውያን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሓወዩ ሓላፊ እቲ ትካል ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ናይ ሕማም ከምዘየርኣዩ ኣብቲ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ሓላፊ ኦፐረሸን ዝኾነ ብወል ሲሞንሰን ሓቢሩ። ኣብ መላእ ሽወደን እቶም ቀንዲ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ሽማግለታት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ Gnosjo ድማ ኣብ ሓጺር እዋን 8 ኣረጋውያ ብምሟቶም ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒባ ነይራ። ኣብ Gnosjo፡ 18 ኣረጋውያንን 12 ኣባላትን ብቫይረስ ተለኺፎም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ኣባላት ናብ ስርሖም ተመሊሶም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ 10 ኣረጋውያን ድማ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ኣለዉ ክብል ሲሞንሰን ገሊጹ። ኣብ Gnosjo እኹል ዝኾነ ናውቲ መከላኸሊ ኣለና። በጻሕቲ ውን ኣይነፍቅድን ኢና። ከምዚ እንከሎ ግን ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሓጺር እዋን ብሃንደበት ኣጥቂዑና። እቲ ፍጻሜ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ተኻይዱ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣሬ ኣለና ክብል ወሲኹ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ኣብ Gnosjo፡ እቲ ህንጻ ንናይ ኣእምሮ ድኻም ዘለዎም ሰባት ተባሂሉ ዝተመደበ ብምንባሩ ነቶም ኣረጋውያን ክትውሽበሉ ኣጸጋሚ ነይሩ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ምንቅስቓ ካብን ናብን ጨናፍራት ክንቆጻጸር ክኢልና ክብል ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com