Sunday , May 19 2024

ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮሮና ገለ ስራሓት ኣብ ሽወደን ይጠፍእ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ንግዳዊ ቻምበር ስቶክሆልም ኣንድርያስ ሃትዚገርጊዩ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ሽቕለትን ቊጠባን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስፍን ተኽእሎ ከም ዘለዎን ኣጠንቂቑ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ስራሕ ንኽዕጾ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሽወደን እንተስ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ብግሎባላዊ ምዕባለታት ተጸላዊት ሃገር እያ ድማ ኢሉ።

ብዙሓት ኣህጒራዊ ንጥፈት ዘካይዱን ኣብ ሽወደን ጨናፍሮም፡ዝኸፈቱን ትካላት ድሮ ናይዚ ጽልዋ ክስምዖም ጀሚሩ ምህላዉ’ውን ኣመልኪቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ቻይና ሰደድ ዝልእካ 6000 ዝኾና ኲባንያታት ሽወደን ምህላወንን 600 ኲባንያታት ቻይና ኣብ ሽወደን ከም፡ዝዓያን ከኣ ይፍለጥ። “ግሎባላዊ ውደባ ዘለወን ኲባንያታት እንውንን ሃገር ስለዝኾንና ኣብ ዓለም ዝፍጠር ኣሉታዊ ይዂን ኣሉታዊ ምዕባለታት ብቕጥታ እዩ ዝጸለወና፥ ንግዳዊ ንጥፈታትና ኸኣ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ” ክብል ድማ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com