Friday , May 17 2024

ብምኽንያት ፋሲኻ ናይ ጒዕዞ መደብ ዘለዎም ሽወደናውያን ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም ተባሂሉ።

ኣብ መዓልቲ በዓል ፋሲካ ክጓዓዙ ዝደልዩ ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሓቢሩ። ንሱ ኲነታት ክኸፍእ ከም ዝኽእል ብምምልካት ትዕግስቲ ምግባር ልዕሊ ዝኾነ ዝድለ ብቕዓት ምዃኑ ደጋጊሙ ኣስሚርሉ። ብዛዕባ ዝመጽእ ሳምንታት ትንበያ ምቕራብ ዋላ ንሰብሞያ’ውን ከይተረፈ ኣሸጋሪ ይኸውን ምህላው ዘመልከተ ሉፊን ኣብ ኡስተርጉትላንድን(Östergötland) ሱርማላንድን(Sörmland) ዘሎ መጠን መልከፍቲ ምስቲ ናይ ስቶክሆልም ተመጣጣኒ ምዃኑ ኣብሪሁ’ሎ።፡ ኣብ ስቶክሆልም ዘጋጥም ኣብተን ካልኦት እውን ናይ ምኽሳት ዕድል፡ምህላዉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com