Saturday , May 18 2024
(Jessica Taylor/UK Parliament via AP) LLT804

ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ክትጽዕን ድሉውቲ ምህላዋ ትገልጽ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምሉእ ወራር እንድሕሪ ፈጺማ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሌኣ እገዳታት ክትጽዕን ተዳልያ ምህላዋ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሊዝ ትራስ እታ ሃገር ኣፍሊጣ። ንሳ ተወሰኽቲ እገዳታት እውን ክዳለዉ ከም ዝግባእ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ትማል ሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ሕሳብ ባንክ ሰለስተ ሩስያውያን ቢልዬነራት ከምኡውን ሓሙሽተ ባንክታት ምድስካሉ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ግና ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ እንተላይ ገለ ዓቃባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ትርር ዝበለ ስጒምቲ ክውሰድ ምጽውዖምን ኣብ ሃውስ ኦቭ ኮምንስ ዝነበረ ድባብ “መንግስቲ እዂል ስጒምቲ ኣይወሰደን” ዝብል ምንባሩ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ዴቪድ ላሚ ብምጥቃስ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝትግበር እገዳ ብኸመይ ከም ዝሳለጥ ዳውኒን ስትሪት ምስ ሓለፍቲ ፋይናንስን ተቘጻጸርቲን ክዛተ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com