Sunday , May 19 2024
A similar investigation is currently underway into Moderna's spikevax vaccine Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ፡ መሊሰን

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ዝተዓደለን ብልቃጥ ክታበታት ኮቪድ፡ ከምዝመለሳ ሬድዮ ኤኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ 9 ምምሕዳራት፡ ንብልቃጥ ክታበት ኮቪድ ክመልሳ እንከለዋ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ድማ፡ 8 ምምሕዳራት፡ ምምላሰን ተፈሊጡ ኣሎ። ምምሕዳራት ኡሬብሮ፡ ያቭለቦሪን ዮንሾፒን ከም ኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ።

ቁጽሪ ናይቶም ክታበት ክወስዱ ዝደልዩ ሰባት፡ እናወሓደ ብምምጽኡ፡ እቲ ዝያዳ ብልቃጥ ክታበታት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ንኸይከውንን ከይጓሓፍን ብምባል፡ እተን ምምሕዳራት፡ ከም ቀንዲ ምኽንያት ምምላስ ናይዞም ክታበታት ምዃኑ ይገልጻ።

እቲ ዝተመልሰ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ክውዕል ምዃኑ፡ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ዝተዋህበ መልሲ ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com