Friday , May 17 2024

ብሰንኪ ሃድን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት ይበጽሑ

ብሰንኪ ንግድ ስኒ ሓርማዝን ምብዳም ኣከባቢን፡ ሓራምዝ፡ ናብ ደረት ምጽናት በጺሖም ምህላዎም ኣብ ቢቢሲ ወኪል ዜናታት ሳየንስ ቪክቶርያ ጊል ጸብጺባ።

ብመሰረት ኣህጒራዊ ሕብረት ዕቀባ ተፈጥሮ፡ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ሓራምዝ ጫካን ሳቫናን ኣፍሪቃ ዓብዪ ሓደጋ ምጽናት የንጸላልዎም ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣቐዲሙ ሓራምዝ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቀይሕ ምልከት (ምልክት ሓደጋ) ኣትዮም ምጽንሖን ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ 415 ሽሕ ሓራምዝ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ቊጽሪ ሓራምዝ ጫካ ኣፍሪቃ፡ ብ 86% ናይ ሳቫና ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ብ 60% ምንቊልቋሉ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣረዲኡ። እዚ ግና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ቦትስዋና ቊጽሪ ሓራምዝ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምዃኑ እቲ ዘሎ ኤኮሲስተም ክጾሮም ኣይክእልን እዩ ። ብኣህጒር ደረጃ እንክረአ ግና ቊጽሪ ሓራምዝ ብዘሰንብድ ናህሪ እዩ ነክዩ ዘሎ–ይብል እቲ ጸብጻብ።

ተሓጋጋዚ ኣቦመንበር እቲ ትካልን ክኢላ ሓራምዝን ዶክተር በን ኦኪታ፡ ነዚ ኲነታት “ናይ መጠንቀቕታ ደወል” እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። እንስሳታት ዶባት ሃገራት ኣይፈልጡን እዮም፥ ሎሚ ኣብዚኣ ኣለዉ ጽባሕ ድማ ዶባት ሰጊሮም ኣብ ካልእ ይኸዱ። ስለዚ መታን ሓራምዝ ዕቀባ ረኺቦም ካብ ምጽናት ክድሕኑ ሃገራት ናይ ሓባር ስምምዕ ምግባር ከድለየን እዩ ክብል ተላብዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com