Saturday , May 18 2024
(AP Photo/David Zalubowski) CODZ115

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ: ብዙሓት ጒዕዞታት ይስረዙ

ምስ ለበዳ ኮቪድ ብዝተተሓሓዘ: ብደረጃ ዓለም: ዝያዳ ምስራዝ ጒዕዞታት ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ናይ በዓል ውጥናቶም ከም እተኣጓጐለን ተፈሊጡ።

ሎሚ ሰኑይ ጥራይ ብፍላይ ናብ ቻይናን ኣመሪካን ተሓሲቡ ዝነበረ 1300 ጒዕዞታት ከም እተሰረዘ ነዚ ጒዳይ ዝከታተል The Flight Aware ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ።

እዚ ምትእጒጓል ጒዕዞ: ብምኽንያት ኣባላት በረራ: ተሰከምቲ ናይቲ ሕማም ኮይኖም ብምርካቦምን ኣብ ውሸባ ስለዘለዉን ምዃኑ: መንገዲ ኣየር ኣመሪካ ገሊጹ’ሎ።

ሆንክ ኮንግ ብወገና: ናብታ ሃገር ንምብጻሕ ዝመጹ ሰባት: ፖሲቲቭ ኮይኖም ስለ እተረኽቡ: ናብ ደቡብ ኮርያ እትገብሮ ካብን ናብን ምብጻሕ ምቊራጻ ገሊጻ’ላ።

ለበዳ ኮሮና ኣዝዩ ካብ ዝሃሰዮም ጽላታት ሓደ: ጉዕዞታት መንገዲ ኣየር ምዃኑን ዛጊት ናይ ቢልዮናት ዶላራት ክሳራ በጺሑ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብምኽንያት እዚ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ ናይ ጒዕዞ እገዳታት: ብጠቕላላ 8000 በረራታት ተሰሪዞም አለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com