Saturday , May 18 2024

ብሰንኪ ሓያል ኣውሎ ንፈስ ን ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን ናይ ባቡር ትራንስፖርት ከም ዘቛርጽ ክፍሊ ትራንስፖርት ይሕበር።

ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓያል ኣውሎ ንፋስ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ጎትላን ክህሉ ሙዃኑን ኩሉ ሰብ ድማ ኣብ መዓልታዊ ምንቕስቃሳቱ ዝያድ ጥንቓቐ ክገብር ይመክር። ብስነኪ እዚ ኣውሎ ንፋስ ናይ ካልኣይ ደርጃ መጠንቀቕታ ናብ ከባብታት ስኮነ፣ሃላንድ፣ብለኪንኘ ከምእውን ምዕራባዊ ክፍል ክሮንበርግ ይህብ።

በዚ መስረት ናይ ባቡር ኣገልግሎት ንግዚኡ ኣብዘን ዝስዕባ መስመራት ንግዚኡ ከምዝቓረጽ  ይሕበር፣

። Helsinki-Angelholm

። Ramlösa-Eslov

። Malmö-Ystad-Simrishamn

። Halmstad-Farnamo

 ከምተወስኺ በዚ ንፋስ ዝተሓውሶ ዝናብ ክህሉን ብስንኹ ድማ ኣብ ከባቢታት ስኮነ፣ካልማርን በለንጊ ናይ ማይ ዕልቕልቕ ከጋጥም ስለዝኽእል ኩሉ ስበ ኩነታት ከባቢኡ ተዓዚቡ ክንቀሳቐስ ኪሊላ እዚ ዓውዲ ዝኾነ ኡርባን ሆልባር መልእኽቱ የመሓላልፍ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com