Friday , May 17 2024
Government compensation can be paid to people who have been injured by the coronavirus vaccine. Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ብሰንኪ ክታበት ንዘጋጥሙ ጉድኣታት፡ መንግስታዊ ካሕሳ ክወሃብ እዩ

ዝኾነ ሰብ፡ ብመንግስቲ ተፈላጥነት ዘለዎ ክታበት ድሕሪ ምውሳዱ ጉድኣት ምስ ዝወርዶ፡ ካብ መንግስቲ ሽወደን፡ ካሕሳ ክኽፈሎ ዝብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ እማመ፡ ብባይቶ ሽወደን ጸዲቑ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ነፍሲ ወከፍ መጉዳእቲ ዝወረዶ ሰብ፡ ብናይ ሕክምና ውሕስነት ከምዝኽፈል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምሉእ ክፍሊት ምስ ዘይክፈል ግን፡ መንግስቲ፡ ክኸፍሎ ምዃኑ እቲ ውሳኔ ኣረጋጊጹ።

ካሕሳ ናይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ልክዕ ከምቲ፡ ብኻልኦት መድሃኒታት ንዘጋጥሙ መጉዳእታት ዝኽፈል ካሕሳ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ዕለት 01 ታሕሳስ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑን ነቶም ቅድሚ እዚ ዕለት ዘጋጠሙ ጉድኣታት ዘጠቓልል ምዃኑ ተገሊጹ።

ብዘይካ እዚ፡ ብሰንኪ ክታበት ኮቪድ-19፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ጉድኣት ብዝምልከት፡ ካሕሳ ከውህብ ዘኽእል ብመንግስቲ ክቐርብ ተዳልዩ ዘሎ እማመ ክቀላጠፍ፡ ባይቶ ሽወደን ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com