Friday , May 17 2024
A car is left overturned in a supermarket parking lot along with debris as floodwaters run down a main street (AP Photo/Olivier Matthys) VLM138

ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ጀርመን፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕልቕልቕ ብምኽሳቱ፡ ብውሕዱ 80 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣማኢት ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠን ተገሊጹ።

ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ መሊኦም ዝፈሰሱ ወሓይዝ ነቲ ከባቢ ዓብዪ ዕንወት ኣስዒቦምሉ ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ጀርመን፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣውራጃታት ራይንላንድ-ፓላቲነትን ራይን-ዋስትፋልያን ብብርቱዕ ተሃስየን ከምዘለዋ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ በልጁም፡ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ዕልቕልቕ፡ ብውሕዱ 12 ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ’ሎ። መራሕቲ ፖለቲካ እታ ሃገር፡ እዚ ብምልዋጥ ክሊማ ዝሰዓበ እዩ ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ። ብተመሳሳሊ፡ መራሕቲ ፖለቲካ ጀርመን፡ ምንጪ እዚ ዕንወት ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና እዩ ክብሉ ጠቒሶም ኣለዉ።

መራሒት ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ግዳያት እዚ ሓደጋ ምሉእ ሓገዝ ክግበረሎም ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪባ ከምዘላ ተገሊጹ።

እዚ ዕልቕልቕ፡ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዘጋጠመ ምዃኑ ጸብጻባት ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com