Saturday , May 18 2024

ብሰንኪ ጻዕቂ ሕቶ መርመራ ኮሮና፡ Alltid Öppet ዝበሃል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ተበላሽዩ

ብዙሓት ሰባት መርመራ ኮሮና ንኽገብሩ ብ1177 ቆጸራ ክሕዙ ብምፍታኖም ነቲ ቆጸራ ንምሓዝ ዘኽእል Alltid Öppet ዝበሃል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም ጻዕቂ ፈጢሩ ከም ዘበላሸዎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ብልሽት ልክዕ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. ከምዘጋጠመን ንምዕራዩ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ሓቢሩ።

ምምሕዳር ስቶክሆሎም ንኹሎም መርመራታት ቫይረስ ኮሮናን ጸረ-ኣካልን ክገብሩ ዝደለዩ ነበርቲ ስቶክሆሎም ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ብነጻ ኣገልግሎት ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com