Friday , May 17 2024

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ

ትማሊ ሮቡዕ፡ ካብ ገማግም ትሪፖሊ፡ ሊብያ፡ ከምዝተበገሳ ዝንገረለን፡ ሓንቲ፡ 130 ሰባት ዝጸዓነት ናይ ጎማ ጃልባ፡ ሓንቲ፡ 40 ሰባት ዝጸዓነት ናይ ዕንጨይቲ ጃልባን ሓንቲ ዝኾነ ዓይነት መዝገብ ዘይተረኽባ ጃልባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመን ማዕበል ኣበይ ከምዝኣተዋ ከምዘይተፈልጠ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝነጥፍ ፈረንሳዊ ኣሃዱ ሂወት ኣድሕን ዘዳለዎ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ትማሊ ሮቡዕ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ክሳብ 6 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ብጣዕሚ ሓያል ማዕበል ከምዝነበረን ክሳብ ሕጂ፡ ሃለዋት ናይቶም ኣብተን ጀላቡ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይተረኽበ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።  

ክሳብ ሕጂ ብሂወት ዝተረኽበ ሰብ ከምዘየለን ናይ 10 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበን እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብቶም ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮፓ ክኣትዉ ዝፈተኑ ስደተኛታት፡ 2200 ክሞቱ እንከለዉ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ድማ ልዕሊ 350 ሰባት ከምዝሞቱ ወይ ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com