Saturday , May 18 2024
The Ocean Viking rescue ship approaches Porto Empedocle harbor, southern Italy, Monday, July 6, 2020. The humanitarian group SOS Mediterranee rescue ship with 180 migrants stranded aboard for days finally got to an Italian port. The migrants had been rescued by the Ocean Viking in four separate operations from Libya-based human traffickers' unseaworthy boats between June 25 and June 30. (Fabio Peonia/LaPresse via AP) POR104

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ድሒኖም

ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሕ ዝነበረ ለይቲ፡ 400 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኤውሮፓ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ እታ ልዕሊ ዓቐን ጺዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ማይ ክኣትዋ ብምጅማሩ፡ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣንጻላልዮ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብሓለዋ ገማግም ሊብያ ረዲአት ረኺቦም ከምዝደሓኑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ናይ መድሕን ስራሓት ንኸካይዳ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ሲ-ዎች 3 ን ኦሻን ቫይኪንግ ዝተባህላ ጀላቡ፡ ኣብቲ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ፡ ስደተኛታት ናይ ምድሓን መስርሕ ከምዝተሳተፋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት፡ ካብ ሞሮኮ፡ ባንግላዴሽ፡ ግብጽን ሶርያን ምዃኖም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ማሕበር ስደተኛታት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ 1100 ሰባት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com