Sunday , May 19 2024
Migrants and refugees from different African nationalities wait for assistance on an overcrowded rubber boat, as aid workers of the Spanish NGO Open Arms approach them in the Mediterranean Sea, international waters, at 122 miles off the Libyan coast, Friday, Feb. 12, 2021. (AP Photo/Bruno Thevenin) EM105

ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም ከምዝሞቱ ተፈሊጡ

ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣስገርቲ፡ ካብቶም ዘስግርዎም ዝነበሩ ሰባት፡ 80 ዝኾኑ፡ ናብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም፡ ብውሑዱ 20 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ IOM ዝተባህለ ኤጄንሲ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጅቡቲ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ፡ ተበጊሶም፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ እታ ጃልባ ሰባት ስለዝበዛሓ፡ እቶም ኣስገርቲ፡ ንገለ ሰባት ናብቲ ባሕሪ ከምዝደርበይዎም ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ 50 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ብኣስገርቲ፡ ካብ ክልተ ጀላቡ፡ ናብ ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም፡ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com