Friday , May 17 2024

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ዋሕዲ ኣመዝጊቡ

ቁጽሪ ናብ ሽወደን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ቀይድታት መገሻ፡ ክጎድል ከምተራእየን ኣብ ዝቕጽል እቲ ቁጽሪ ትሑት ክኸውን ከምዝኽእልን ጨንፈር ኢሚግሬሽን ይግምት። ብኻልእ ወገን፡ ብዝሒ ናይቶም ንስራሕ ይኹን ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ወጻእተኛታት ክጎድል ከምዝኽእል እቲ ጨንፈር ምሕባሩ TT ኣቃሊሑ።

ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 17 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ገምጋማት ኢሚግሬሽን ይሕብሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተገሚቱ ዝነበረ ብ 8 ሽሕ ከምዝውሕድ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ትጽቢት ዝግበርሉ ትሑት ዝኾነ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ካብቲ ኣብ ዓመተ 1999 ዝተቐበልናዮ ቁጽሪ (11 ሽሕ) ዝዋሓደ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ታሪኻዊ፡ እዩ ክብል ሓላፊ ጨንፈር ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ሪቢንፊክ፡ ሰምይዎ።

ምጉዳል ብዝሒ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ናይ መገሻ ቀይድታት ድኣ እምበር፡ ዓለም ስለ ዝተመሓየሸት ኣይኮነን። እቶም ካብ ኲናትን ጥምየትን ዝሃደሙ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈለለያ ሃገራት ዘሎ መዓስከራት ተዓቚቦም ምህላዎም ሪቢንፊክ ኣብሪሁ።

ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ሰሙናዊ ክሳብ 180 ዝበጽሑ ስደተኛታት ጥራይ ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ከቕርቡ ጸኒሖም ክብል ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብዞም ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ ቅልውላው ለበዳ ኮሮን፡ ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት፡ እቶም 12% ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ግን ኣቐዲሞም ኣብ ሽወደን ኣትዮም ዝጸንሑ እዮም ነይሮም። ድሒሩ ግን እቶም ፍርቂ ካብ ደገ ዝመጹ እቶም ካልኣይ ፍርቂ ድማ ኣብ ሽወደን ዝጸንሑ ምንባሮም ተፈሊጡ ክብል ሪቢንፊክ ገሊጹ።

ናይ መገሻ ቀይድታት ምስ ተላዕሉ፡ ቁጽሪ ጠለባት ሕቶ ዑቕባ ክዛይዱ ምዃኖም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ቀይድታት ዝለዓለሉ እዋን መዓስ ምዃኑ ግን ዝፍለጥ የለን ክብል ሪቢንፊክ ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com