Sunday , May 19 2024

ብዝሒ ናይ ካልእ ሃገር መቦቆል ዘለዎም ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት መንግስታዊ በዓል መዚታት፡ ትሑት እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ መጽሔት ፓብሊክት ከም ዘመልከቶ፡ ትሕቲ 5% ካብቶም ኣብ ቀንዲ 30 ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሑ ኣባላት ቦርዱ ዝኾኑ ሰባት፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም እዮም ተባሂሉ።

ብመሰረት ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ 21% ከም ዝበጽሕ ሓቢሩ። ብመሰረት መግለጺ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡  ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎ ማለት፡ እቲ ሰብ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ወይ ወለዱ ካብ ወጻኢ ዝተወልዱ ክኾኑ እንከለዉ እዩ።፡

ሚኒስተር ሲቪላዊ ጉዳያት፡ ሊና ሚኩ፡ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ስልጣን ንምብጻሕ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት እዩ ኢላ።

እንተኾነ፡ ብዝሒ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም ኣባላት ቦርድ ልክዕ ከምተን ደቂ ናብ ስልጣን ዝመጻ ደቂኣንስትዮ፡ ቀስ እናበለ ክውስኽ ምዃኑ፡ ሚኩ፡ ተስፋኣ ገሊጻ።

ሽወደን ካብ 1999 ኣትሒዛ ብዙሕነት ዓሌታት ኣብ መዝነታት መንግስቲ ንምትግባር  ክትሰርሕ ምጽንሓ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com