Saturday , May 18 2024

ብዝሒ ጉዕዞታት ኣየር፡ ምምሕያሽ የርኢ

ኣብ ወርሒ ሓምለ/2020፡ መጠን ብዝሒ ብመዓርፎ ነፈርቲ ስወዳቭያ ዝጥቀሙ ተጓዓዝቲ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ/2019 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብ87% ከምዝጎደለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ኣስታት 486 ሽሕ ተጓዓዝቲ ከምዝነበሩን፡ እቶም 307 ሽሕ ወጻእተኛታት (ብ90% ዝጎደሉ) ክኾኑ እንከለዉ እቶም 179 ሽሕ ድማ ደቂ ዓዲ (ብ 79% ዝጎደሉ) እዮም ኔሮም።
ምስ ምልዓል ናይ መገሻ እገዳታት፡ መጠን ብዝሒ ገያሾ ብከፊል ይውስኽ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ታሪኽ በረራ፡ እቲ ዝተሓተ መጠን ብዝሒ ተጓዓዝቲ ዝተመዝገበሉ እዋን እዩ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ብዝሒ፡ ብ 3 ሚልዮን ጎዲሉ ክብል ፕረዚደንትን ኣካያዲ ስራሕ ስወዳቭያ ዝኾነ ጆናስ ኣብራሃምሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጥዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ገምጋማት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ጽላታት ኣቭየሽን፡ እቲ ምምሕያሽ፡ ብዝተሓተ ፍጥነት ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ዕዳጋታት ድማ እዚ ሒዛናዮ ዘለናን ዝቕጽል ዓመትን ብከቢድ ክጽለዉ ምዃኖም ይሕብሩ።
ስወዳቭያ፡ ንኣርላንዳን ላንድቬተር ዝርከበአን ዓሰርተ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዘመሓድር ትካል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com