Saturday , May 18 2024

ብዝናብ ዝተሰነየ በረድ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክህሉ ሙዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ኣርክቲክ ዝመጽእ ዛሕሊ 15 ሰንቲሚተር በረድ ክፈጥር ይኽእል እዩ ተባሂሉ። እዚ ካብ ኣርክቲክ ዝመጽእ ዛሕሊ ውርጪን ንፋስን ከኸትል ከምዝኽእልን፣ በዚ ድማ ቀዳም ደበና ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ዝህሉ  ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ክፋላት ሽወደን ግን ዝናብ ክህሉ ትጽቢት ከምዘሎ  እዚ በዓል መዚ ይትንበ።

በዚ መሰረት ደርጃ ሙቐት ካብ 10°-15°C ዝበጽሕ ክህሉ፣ ኣብ ሰሜን ሽወደን ከባቢ ዶብ ፊንላንድ ጥልል ዝበለ ውርጪ ክረአ ከም ዝኽእል ከምእውን ኣብ ሰኑይ መዓልቲ ንፋስ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ክኢላ ሜትሮሎጂ ሚካኤል ስዦስትራንድ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።ብተወሳኪ ኣብ ሰኑይ መዓልቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ብመጠኑ ሙቐት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ድማ ከፊላዊ በረድ ብ ንፋስ ተስኒዩ ክህሉ ሙዃኑ እዚ ኪኢላ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com