Saturday , May 18 2024
Shoppers do their last Christmas shopping in Leicester Square in London, (AP Photo/Frank Augstein) FAS105

ብጉዳይ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ሻቕላታት ይቕጽሉ

ብሰንኪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ምስቶም ብካልኦት ጅራት ኮሮና ዝፍጠሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን እተኻየዱ ኣፈናዊ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም።

ሕሙማት ኦሚክሮን እቶም ዝወሓዱ ጥራይ ክንክን ጥዕና ከም ዘድልዮም ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ይዂንምበር ብሰንኪ ዘሎ ናህሪ ለበዳ ሆስፒታላት ብሕሙማት ከም ዝመልእ ብምግባር፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ መልከፍቲ ኦሚክሮን ቫይረስ ከም ዘጋጠመ ድማ ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ኣብነት ተጠቒሱ። ብዛዕባ ሓደገኛነት እዚ ለበዳ ግቡእ ዝኾነ መረዳእታ ምሓዝን፡ ሃገራት፡ ብኸመይ ኣገባብ ግብረ-መልሲ ከም ዝህባሉ ንኽውጥና ክሕግዝ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ጸብጺቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com