Saturday , May 18 2024

ብ ደረጃ ፕሮፌሰርነት እተቘጽራ ደቀንስትዮ ብቚጽሪ ሒደት እየን ተባሂሉ።

ዳርጋ ኣብ ኲሉ ዓውዲታት ትምህርቲ ከም ፕሮፌሰራት ናይ ዝቚጸራ ደቀንስትዮ ቊጽረን እናንቈልቈለ ይመጽእ ምህላዉ ፓብሊክ ዝተባህለ መጽሔት ሓቢሩ። ሚኒስተር ማቲልዳ ኤርንክራንስ ብዛዕባዚ ጒዳይ ምሕዛናን ምስ ሰብ መዚ ክትዛተየሉ ምዃና እውን ተሓቢሩ። ንሳ እቲ ናይ ትምህርቲ ሸቶ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ምጒዳሉ ምጒሃያ፥ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ብዙሓት ደቀንስትዮ ብፕሮፌሰርነት ኣመሪቑ ንስራሕ የብቅዕ ምንባሩ ብምጥቃስ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝጸንሐ ዝርግሐ ጀንደር ምዕሩይ ምንባሩ ዘኪራ።

እዛ መጽሔት ብቻንስለር ዩኒቨርሲቲ ንዝቐረበ ጸብጻብ ሙርኩስ ብምግባር እያ ነቲ ዜና ኣዳልያቶ። እዚ ምንቊልቋል ቊጽሪ ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ሳየንስ ካብቲ ዝነበሮ ናይ 29% (2017) ) ኣብ 2019 ናብ 15% ምንካዩ ድማ ገሊጻ’ላ። ኣብ ዓውዲ ሕርሻዊ ሳየንስን ሕክምና እንስሳን ኣብ ዓመተ 2019 ዝተሓተ ውጽኢት ምምዝጋቡ ድማ እታ መጽሔት ወሲኻ ገሊጻ። እዚ እናኾነ ኣብ ዓውዲ ሕክምናን ጥዕናዊ ሳየንስን ቊጽሪ ሓደስቲ ደቀንስትዮ ምውሳዂን ካብ 38% ናብ 47% ክብ ምባሉን እታ መጽሔት ኣመልኪታ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com