Friday , May 17 2024
Region Västra Götaland Foto: Björn Larsson Rosvall/TT kod 9200

ቬስትራ ጎትላንድ፡ ንኹሎም መንእሰያት፡ ቆጸራ ክታበት ክሕዙ ኣፍቂዱ

ካብ ሮቡዕ ጀሚሮም፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ናይ ክታበት ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
በቲ ተሓንጺጹ ዝነበረ መደብ ክታበት፡ እዞም ክሊ ዕድመ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ቆጸራ ምሓዝ ክጅምሩ እኳ እንተነበሮም፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ቆጸራ ናይ ዝሕዙ ሰባት ምጉዳሉ፡ እቲ ግዜ ክሰሓብ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።
ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቬስትራ ጎትላድ ዝርከቡ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com