Saturday , May 18 2024

ቬንስተርፓርትየት፡ ብዛዕባ ወነንቲ ትካላት ዝወሃብ ሓገዝ አማመ ኣቅሪቡ

ሰልፊ ቬንስተርፓርትየት፣ ኣብ ዘቅረቦ አማመ፣ ወነንቲ ትካላታ ሓገዝ (ersättning) ኣብ ዝሓትሉ አዋን፣ አቲ ትካል ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ከም ዘሎ መረጋገጺ ከቕርቡ ከም ዘለዎም ሓቢሩ። አዚ ማለት ድማ ብመንገዲ ወግዓዊ ኤሊትርካዊ መርበብ ሓበሬትኦም፣ ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ከምዘለዉ ክሕብሩ ከም ዘለዎም ኣብሪሁ።

አዚ ብመንግስቲ ወሃብ ዘሎ ድጎማ፣ ነዘን ትካላት ካብ ጥፈሻ ንምድሓነን ኩነታት ኣብ ዝመሓየሽሉ ግዜ ብንቐጥታ ናቡ ንቡር ንኽምለሳ ዝሕግዝ ሙኻኑ አቲ ሰልፊ ገሊጹ።

አዚ ብቬንስተርፓርትየት ቐሪቡ ዘሎ አማም ብወገን መንግስቲ ክጸድቕ ዓቢ ተኸሎ ከምዘለዎ ማዕከን ዜና TT  ገምገማቱ ኣቕሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com