Friday , May 17 2024
To work in health and social care in Växjö, a vaccination certificate is now required Foto: Johan Nilsson / TT / kod 50090

ቬክኾ . . . ዝተኸትቡ ሰባት ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ እዮም

ኣብ ምምሕዳር ስሞላንድ፡ ቬክኾ፡ ኣብ ጽላት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ክትሰርሕ ምስ እትደሊ እንታይ የድልየካ?

ጸረ ሕማም ኮቪድ-19፡ ክታበት ዝተኸተብካ ክትከውን ይግባእ ክብል ቦርድ ምምሕዳር ከተማ ቬክኾ ወሲኑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻብ SVT ስሞላንድስንይት፡ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣስታት 90% ካብቶም ኣብ ገዛውቲ እናኸዱ ይኹን ኣብ እንዳ ዓበይቲ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝህቡ ኣባላትና፡ ጸረ ኮቪድ-19 ክታበት ዝተኸትቡ እኳ እንተኾኑ፡ ንዓበይትን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብናን ግን ክንከላኸል ኣገዳሲ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሓደስቲ ኣባላት ኣብ ንቖጽረሉ እዋን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ክኾኑ ንደሊ ክትብል ኣቦወንበር ቦርድ ምምሕዳር ከተማ ቬክኾ፡ ኣና ተንየ፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

እዚ ውሳኔ፡ ነቶም ብቐዋሚ፡ ብግዝያውነት ወይ ድማ ብሰዓታት ዝሰርሑ ኣባላት ዝምልከት እዩ።

እቶም ኣብ ስራሕ እንከለዉ ክሳብ ሕጂ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ንክኽተቡ፡ ምምሕዳር ከተማ ቬክኾ፡ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com