Friday , May 17 2024

ተመራመርቲ፡ ንኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ብዝምልከት መጽናዕቲ ጀሚሮም

ኣብ ፕሮጀክት ምርምር ሽወደን፡ ንኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ብዝምልከት መጽናዕቲ ከምዝተጀመረ ጸብጻብ መደበር ሬድዮ  P4 Västerbotten ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ካብ ኡምዮ፡ ኡስተርሱንድ፡ ኢስኪልስቱና፡ ኡረብሮን ካርልስታድን ዝተኣከቡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ተመራመርቲ፡ ኣድማዕነት ክታበት ኮቪድ ንኽንደይ እዋን ከምዝጸንሕ ንምፍላጥ፡ ምርምር ከምዝጀመሩን፡ እቲ መደብ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ፡ በቶም ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝነብሩ ሰባት ክጅመር ምኻኑ ተገሊጹ።

ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ቅልውላው ለበዳ፡ ንገለ ዓመታት ክጸንሕ ከምዝኽእልን ንምክልኻሉ ድማ ጽቡቕ ናይ ክታበት መደባት ክተሓዙ  ከምዝግባእን ቅድሚ ምውዳኡ ድማ ተወሰኽቲ ብልቃጥ ክታበታት ከድሊ ከምዝኾነን ይኣምኑ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኡምዮ፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ክላስ ኣህልም፡ ምስቲ መደበር ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com