Sunday , May 19 2024

ተመራመርቲ ብሪጣንያ ዝጠንተወ ኣሰር ህይወት ጫካ ይረኽቡ

Foto: Tom Skoglund / Altaposten / NTB

ተመራመርቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኣጻድፍ፡ ኣብ ዓለም ዝጠንተወ ዝተባህለሉ ኣሰር ጫካ ረኺቦም። እዚ ጫካ ኣብ ማይንሄድ ሶመርሰት ኣብ ዝርከብ ሑጻ እዩ ተቐቢሩ ተረኺቡ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲታት ካምብሪጅን ካርዲፍን፡ ኣብ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ዝተረኸቡ ብዕድመ ዝገደሙ ኣሰራት ህይወት ጥንታውያን ኣግራብን ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እቶም “ካላሞፋይተን” ተባሂሎም ዝጽውዕ ኣሰር ህይወት፡ ኣግራብ ስየ እዮም ዝመስሉ። ከም ዓንዲ ዓሌት ናይ ሎሚ ኣግራብ ዝሕሰቡ እዞም ኣሰር፡ ቊመቶም እቶም ዝዓበዩ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሜትሮ እዮም ። እዚ ኣሰር ህይወት ኣግራብ ቅድሚ ኣማኢት ሚልዮናት ዓመታት ጂኦግራፊ ኣብ ምቕራጽ ከምኡ’ውን ገማግም ሩባታትን ገማግም ባሕርን ኣብ ምርግጋእ ዝነበሮም ተራ ዘርእዩ እዮም ኢሎም ኣለዉ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com