Saturday , May 18 2024
(AP Photo/Thanassis Stavrakis) XPG107

ተመራመርቲ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከዋኽብቲ ዝኽሰት ናይ ኑክሌር ውህደት ንምስናዕ አኽእሎም ሳየንሳዊ ሓቂታት ምድህሳሶም ገሊጾም።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ቤተፈተነ JET ክልተ ዓይነታት ሃይድሮጅን ዝተባህለ ባእታ ብምውህሃድ ዝረኸቦ መጠን ጸዓት ብምትዕጽጻፍ ናይ ባዕሉ ክብረ ወሰን ክሰብር ክኢሉ’ሎ።

ከምዚ ዝበለ ናይ ኑክሌር ምውህሃድ እንድሕሪ ኣብዛ ዓለም ክፍጠር ተኻኢሉ ደረት ዘይብሉ ናይ ጸዓት ቀረብ ንምውናን ክከኣል እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ።

እቲ ፈተነ ኣብ ውሽጢ 5 ካልኢታት ጥራይ 11 ሜጋዋትስ ጸዓት ምፍራይ ምኽኣሉ ከም ኣዝዩ ዘደንቕ ሳየንሳዊ ተረኽቦ ተመዝጊቡ’ሎ። እዚ ካብቲ ኣብ 1997 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ፈተነ ጸዓተ ብዕጽፊ ዝዛይድ ‘እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com