Saturday , May 18 2024
Visitors look at a portrait drawing of Italian Renaissance painter, scientist and inventor Leonardo Da Vinci during a permanent exhibition on Da Vinci, on the exact day commemorating the 500th anniversary of his death, in Rome, Thursday, May 2, 2019. Leonardo died in Amboise, France, on May 2, 1519. (AP Photo/Alessandra Tarantino)

ተመራመርቲ ዓሌት: ወለዶ ዳቪንቺ: ረኺቦም

ተመራመርቲ: ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ድሕሪ ዘካየድዎ ዳህሳስ DNA: ወዲ 62 ኣርቲስት ሓዊስካ 14 ህያው ዓሌት ዳቪንቺ ምርካቦም ይግለጽ ኣሎ። ዳ ቪንቺ ቆልዑ ኣይወለደን: እንተኾነ ግና ኣቦኡ ፈቐድኡ 22 ቆልዑ ከም ዝወለደ ይፍለጥ።

እዞም ብ ዳይረክተር ሚዝዬም ዳቪንቺን ተመራማሪን ኣሌሳንድሮ ቬዞሲ ከምኡውን ፕረሲደንት ዳቪንቺ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን: ኣኘዘ ሳባቶ: ብሓባር 21 ወለዶ ስድራ ዳ ቪንቺ ን 10 ዓመታት መመላእታ ከጽንዑ ጸኒሖም ይብል ኣብ መጽሄት ኢቮሉሽን ዝወጸ ጸብጻብ።

እዞም 690 ዓመታት ዝገበሩ ወለዶታት: ኣብዚ እዋን 14 ህያው ስድራቤት ከም ዘለዉዎ ድማ ተሓቢሩ። እዞም ካብ 1 ክሳብ 85 ዝዕድሜኦም ስድራቤት: ካብ ዶሚኒኮ ዝተባህለ ሓው ዳቪንቺ እተረኽቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ሓረስቶት፥ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈትን ሶፋን ከም ዘጠቓልሉ እውን ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ: ሓደ ካብዞም ወለዶ 62 ዝዕድሜኡ ጆቫኒ ቪንቺ ኣርቲስት ምዃኑን ካብ ዳቪንቺ ዝተፈልየ ናይ ባዕሉ ቅዲ እናተኸተለ ከም ዝስእልን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ከምዚ ዝበለ መርመራ DNA ምግባር ብዛዕባ ህይወት ሊዮናርዶ ዳቪንቺ፥ ጥዕናኡን ናይ ስነጥበብ ተውህቦኡን ብዝበለጸ ንምርዳእ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ የረድኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com