Saturday , May 18 2024

ተማሃሮን ስራሕተኛታትን፡ ዩኒቨርስቲ ኦምዮ፡ መርመራ ኮሮና ከካይዱ እዮም

ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ እዋን ስሩዕ ትምህርቲ ንምግምጋም ዘኽእል መጽናዕቲ ተባሂሉ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ መርመራ ኮሮና ክጅምር ምዃኑ ምስ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣንድሽ ዮሃንሰን፡ ገሊጹ።

ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ ንምፍላጥ ሎሚ ሰኑይ መርመራ ከነካይድ ኢና፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ኩሎም ተማሃሮ ምስ ተራኸቡ፡ ዳግማይ መርመራ ከነካይድ ኢና ክብል ዮሃንሰን ሓቢሩ።

እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤት ትምህርታት፡ ስሩዕ ትምህርቲ ምክያድ፡ ኣብ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ጽልዋ ንምግምጋም ዘኽእል ስለዝኾነ፡ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ዘገድስ እዩ ክብል ዮሃንሰን ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ መንእሰያት ዝተራእየ መጠን መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና፡ ከምዝዓበየ ጸብጻባት ምሕባሮም ይፍለጥ።

እዚ መርመራ፡ ብምትሕብባር ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ኣሃዱ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ሓይልታት ምክልኻል ሽወደንን ኣብ ውሽጢ’ቲ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝካየድ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com