Friday , May 17 2024

ተቐማጦ ኬፕታውን፡ ብሰንኪ ባርዕ፡ ካብ ወሰናስን’ታ ከተማ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ናብ ከተማ ኬፕታውን ብምልሓሙ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ሓደጋ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 17 ደርቢ ዘለዎም 3 መንበሪ ህንጻታት፡ ዝነበሩ ተቐማጦ ከም ዘግዓዙ ተገሊጹ።

እዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ብሰንበት ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ብብርቱዕ ንፋስን መሸንቦባን እናተሰነየ ብልዑል ፍጥነት ምልባዑን ናብ ቤተመዘክር ሰሲል ሮድስ ብምብጻሕ ሓንቲ ቤት መግብን ታሪኻዊ ቤት ንባብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕታውንን ምዕናዉ ሰብ መዚ ገሊጾም ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ፡ 250 ዝኾኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓውን ሄሊኮፕተራትን ኣብዚ ናይ መድሕን ስራሕ፡ ተዋፊሮም ምህላዎም ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com