Sunday , May 19 2024
Credit: Lars Schröder/TT

ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ–ሪቻርድ ጆምሾፍ– ይኸሳ።

ኣርባዕተ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሽወደን፡ ን ኣባል ሰልፊ ዴሞክራትና ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን ሪቻርድ
ጆምሾፍ ብዝምልከት ድምጺ ክወሃበን ጠለብ ከቕርባ እየን። ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ጸጋማይ፡ ሓምላይን ማእከልን፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሪቻርድ ጆምሾፍ ኣብ ወቕቲ ዊንተር ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶታት፡ ንሽወደን ሃስያ
ዘውርድ እዩ ብምባል እየን እዚ ናይ ድምጺ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዉ። እተን ውድባት፡ ጆምሾፍ ኣቦ መንበር ኮሚተ ፍትሒ ሽወደን
ኮይኑ ክቕጽል ኣይግባእን ዝብል መርገጺ ሒዞን ኣለዋ።
እዚ እናኾነ ሪቻርድ ጆምሾፍ “እዘን ተቓወምቲ ሰልፊታት ንረብሓአን ክብላ ዘየድሊ ጎንጽን ምፍልላይን ይዕድማ ኣለዋ” ክብል ነዚ
ክሲ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

 

Credit: Lars Schröder/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com