Saturday , May 18 2024

ተኽእሎ ባርዕ ኣብ ቡዝሕ ቦታታት ክኽሰት ስለዝኽእል ጥንቃቐ ክግበር ጻውዒት ይቀርብ።

በዚ ዘሎ ልዑል ሙቐት ብነቕጺ ዝተዓብለለን ኲነታት ኣየር ኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ሽወደን ናይ ባርዕ ሓደጋ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ። “እዚ ሓደጋ ከጋጥም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ” ክትብል ኣብ ዞባ መድሕን ምክትል ኣካያዲት ስርሒታት ሞኣ ሁመልጋርድ ገሊጻ። ድሕሪ ዝሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር እቲ ንነዊሕ እዋን ሰባት ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ ሳመር እኳ እንተኣተወ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ሙቐት ክሳብ 20 ዲግሪ ሴልሴስ ከም ዝበጽሕን ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ናብ 25 ገጹ ክድይብ ከም ዝኽእልን ድማ ተገሊጹ።

እዚ ይዂንምበር ውዑይን ነቕጺ ዘለዎን ኲነታት ኣየር ናይ ብርዕ ሓደጋ ከም ዘምጽእ ኣብ SMHI ክኢላ ሜትሮሎጂ ጃብ ኡርፐላብድ ሓቢሩ። በዚ ድማ ካብ ስኮነ ክሳብ ኖርቦተን ዘሎ ዞባታት ናይ ተጠንቀቕ መልእኽቲ ከም እተዋህቦን ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ህሉው ኲነታት ኣየር ህቦብላ ዝበዝሖ ስለዝኾነ እቲ ባርዕ ብቐለሉ ናብ ርሑቕ ቦታታት ክላባዕ ይኽእል እዩ ዝበለ እዚ ኪኢላ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ነዚ ዝኸውን ምድላው ይጻፈፍ ምህላዉ ኣመልኪቱ’ሎ። ምስ ህሉው ስግኣታት ሓደጋ ዜጋትት ናይ ትቓጻሊ መጋርያን ካልእ ተባራዒ ነገር ካብ ምጥቃም ክቚጠቡን በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ። እንድሕሪ ግድነት መጋርያ ምጥቃም ዘድሊ ኮይኑ ግና ሰባት ቦታ ኣብ ምምራጽ ጥንቃቐታት ክገብሩ ድማ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ። እዚ መጠንቀቕታታ ካብ ምጅማር እዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ትግባረ ዝውዕል እኳ እንተኾነ ኣብ ሓሙሰ-ረቡዕ ደሓን ዝኾን ኲነታት ኣየር ክረአ ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com